ኣሸንዳ፤ ማርያ፤ ዓይኒዋሪ ክብሪታቱ ብዝሓለወ መልክዑ ንምኽባር ምድላው ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ኣሸንዳ፤ ማርያ፤ ዓይኒዋሪ ባህላዊን ሃይማኖታዊን ክብርታቱ ብዝሓለወ መልክዑ ንምኽባር ምድላዋት እናተወገነ ምዃኑ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ በዓል÷ “በዓል ኣሸንዳ ንሰላምን ንሕውየትን “ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝኽበር እቲ ቢሮ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣብሪሁ።

ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ኣፅበሃ ገብረእግዚኣብሄር÷ በዓል ኣሸንዳ፤ ማርያ፤ ዓይኒ ዋሪ እዚ ዓመት ሕውየትን ተረባሕነትን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምርግጋፅ ከም ዝስራሕ ገሊፆም።

እቲ በዓል ኣብ መዓልቱ ኣብ ክልል ትግራይ ከምዝኽበር ብምሕባር÷ ቀፂሉ ድማ ካብ ትግራይ ወፃእ ካብ 16 ክሳብ 26 ነሓሰ ከምዝኽበር ተዛሪቦም።

“ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ካብ ክልል ትግራይ ወፃእ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን ንኽኽበር ይሰርሕ ኣሎ” ዝበሉ ዶክተር ኣፅበሃ ገብረእግዚኣብሄር÷ ነሓሰ 16 ግን ካብ ትግራይ ወፃእ ከምዘይኽበር ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

በዓል ኣሸንዳ/ማሪያ 16 ነሓሰ ኣብ መብዛሕቲአን ከተማታትን ገፀር ወረዳታትን ዝኽበር ሃይማኖታዊ በዓል እንትኸውን፥ ዓይኒ ዋሪ ድማ 24 ነሓሰ ኣብ ኣኽሱምን ከባቢኣን ዝኽበር ኢዩ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment