ኣሸንዳ፣ ኣሸንድዬ፣ ሻደይ፣ ሶለል ንሰሜን ኢትዮጵያ ዘድምቓ ዘድንቕ ገፀ በረከት ወርሒ ነሓሰ ኢዩ – ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሸንዳ፣ ኣሸንድዬ፣ ሻደይ፣ ሶለል ንሰሜን ኢትዮጵያ ዘድምቓ ዘድንቕ ገፀ በረከት ወርሒ ነሓሰ ከምዝኾነ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም÷ “ኣሸንዳ፣ ኣሸንድዬ፣ ሻደይ፣ ሶለል ናይ ጎራዞ መዓልቲ ሓጎስ ኢዩ” ኢሎም፡፡

እቲ በዓል ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ብዋናነት ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ብፀወታን ዝማረን ጎራዙ ብድምቀት ከምዝኽበር እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣሸንዳ፣ ኣሸንድዬ፣ ሻደይ፣ ሶለል ንሰሜን ኢትዮጵያ ዘድምቓ ዘድንቕ ገፀ በረከት ወርሒ ነሓሰ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐክን እውን ኣመሓላሊፎም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment