ኣሸባሪ ህወሓት ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ትግራይ ብዘይምንም ወታደራዊ ስልጠና ናብ ጦርነት የሳውሮም ኣሎ-ሙርከኛታት

ኣዲስ ኣበባ፣  6 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሸባሪ ህወሓት ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ትግራይ ብዘይምንም ወታደራዊ ስልጠና ናብ ጦርነት የሳውሮም ኣሎ ክብሉ ብኣንፈት ዓፋር ብሰራዊት ምክልኻል ዝተማረኹ ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ተዛሪቦም።

እቲ ጉጅለ ዕድመኦም ንውትድርና ዘይኣኸለን ንኣገልግሎት ብቑዓት ዘይኮኑን ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ብዝተሰሓሓተ ፕሮፓጋንዳ ብምግዳድ  ናብ ጦርነት የሳውሮም ከምዘሎ ኢዮም ሓቢሮም።

ብዘይምንም ወታደራዊ ስልጠና ናብ ዓፋር ሰሪጎም ብምእታው ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ጥፍኣት ከብፅሑ ክብሉ ብጀግና ሰራዊት ምክልኸላል ሃገር ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተዛሪቦም።

እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ብዝህቦም መደንዘዚ እፅ ኣብቲ ጦርነት ዝቖሰሉ ምርኮኛታት ዝበፅሖም ጉድኣት ምግንዛብ ዘይምኽኣሎም እውን ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment