ኣስከሬን ፍሉጥ ኣርቲስት ዘሪሁን ወዳጆ ኣቀባብላ ተገይሩሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣስከሬን ፍሉጥ ኣርቲስት ዘሪሁን ወዳጆ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣቀባብላ ተገይሩሉ።

ኣብቲ ኣቀባብላ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን እቲ ክልልን ተረኺቦም፡፡

ኣርቲስቱ ዘሪሁን ኣብ ሃገረ ህንዲ ሕክምና እናተኸታተለ እናሃለወ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ካብዛ ዓለም ብሞት ምፍላዩ ይዝከር።

ስነ-ስርዓቱ ድማ ፅባሕ ረቡዕ 18 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝፍፀም ኮሚቴ ኣፈፃሚ ቀብሪ ኣፍሊጡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

Comments (0)
Add Comment