ኣስከሬን ኣምባሳደር ድምበሩ ኣለሙ ናብ ውሽጢ ሃገር ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣስከሬን ኣምባሳደር ድምበሩ ኣለሙ ካብ ዱባይ ናብ ውሽጢ ሃገር ኣቲዩ።

ኣምባሳደር ድምበሩ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ጀነራል ፌዴሪኢ ዲፕሎማሰኛ ኮይኖም እናገልገሉ እንተለዉ ብዝሓደሮም ሕማም ክትትል ሕክምና እናገበሩ ፀኒሖም 9 ጥሪ 2013 ዓ.ም ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

ኣስከሬን ኣቶም ኣምባሳደር ትማሊ 11 ጥሪ 2013 ዓ.ም ካብ ዱባይ ናብ ኢትዮጵያ እንተኣቱ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣቀባብላ ተገይሩሉ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳውን ዘመድ ኣዝማድን እውን ተረኺቦም።

ስነስርዓት ቀብሪ ኣምባሳደር ድንበሩ ኣለሙ ሎሚ መዓልቲ 12 ጥሪ 2013 ዓ.ም ኣብ መቓብር ኣስላም ኮልፌ ከምዝፍፀም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment