ኣስታት 80 ዝኾና ትካላት ፋይናንስ ኣባል መድሕን ተቐማጢ ገንዘብ ኢትዮጵያ ከምዝኾና ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣስታት 80 ዝኾና ትካላት ፋይናንስ ኣባል መድሕን ተቐማጢ ገንዘብ ኢትዮጵያ ከምዝኾና ተገሊፁ።

ፈንድ መድሕን ተቐማጢ ገንዘብ ኢትዮጵያ ዝጠመተ ግንዛበ ናይ ምፍጣር መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

ምክትል ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያን ኣካቢ ቦርድ እቲ ፈንድን ሰለሞን ደስታ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተረጋገዐ ዓውዲ ፋይናንስ ንምፍጣር ፈንድ መድሕን ተቐማጢ ገንዘብ ምጥንኻር ይግባእ ኢሎም።

ፈንድ መድሕን ተቐማጢ ገንዘብ ኢትዮጵያ ብቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ተጣይሹ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ብምሕባር፥ እዚ ድማ ብብርኪ ዓለም መበል 148 ትካል ፈንድ መድሕን ተቐማጢ ገንዘብ ንምዃን ከምዝኸኣለ ተዛሪቦም።

እቲ ፈንድ ካብ ዝጣየሽ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ንውፅኢታውነት እቲ ትካል ዝሕግዙ መምርሒታት ምስንድኦምን ካልኦት ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑን ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ፈንድ ደሳለኝ ኣንባው(ዶ/ር) ገሊፆም።

ብሳሙኤል ወርቃየሁን ሰለሞን ይታየውን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment