ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሳታፋይነት እቲ ብሄራዊ ምኽክር ክዕወት ዝኽእል ኩሉ ኢትዮጵያዊ ነቲ ከይዲ ብቕንዕናን ብበዓልዋናነትን ክድግፍ እንትኽል ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ መካተቲ ብሄራዊ ምኽክር ዕዉት ንኽኸውን እቲ ከይዲ ተቐባልነት ዘለዎ ክሻለፅ ከምዝግበኦ ኣገንዚቦም።
“እዚ ክኸውን ዝኽእል ድማ ኩልና ከይዲ እቲ ምኽክር ላዕለዋይ ኮይኑ ዝመርሖ ኮሚሽን ምኽክር ብዝተፈላለዩ መገዲታት ምሕጋዝ፣ ክተግህን ክፀንዕን ምግባር እንትንክእል ኢዩ” ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘበናት ታሪኽ ዝቕይሩ ወርቃዊ ዕድላት ለውጢ ገጢሞምዋ ኢዮም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ንፖለቲካና ሓደ ደረጃ ንቕድሚት ዘሰጉሙን ቀፃሊ ዘብን ብሩህ ዝገብሩን ብዙሓት ሽግ ለውጢታት ተወሊዖም ኢዮም ክብሉ ገሊፆም።
ኣብ እዋን ከይዲ ለውጢ ሽቶና ንምዕዋት ኣብ ክንዲ ምትሕብባር ብኣናእሽተይ ጉዳያት ሕድሕድና ስለንጓተት ዘህርፍ ዝነበረ ለውጢ ኣብ ማእኸል መገዲ ተዓናቒፉ ከምዝተርፍን እዚ ንርደኦ ድማ ደንጒና ስለንርደኦን ምስ ሓለፉ ከም ሃገር ተመሊስና ንናሰሐሎም ኢዮም” ኢሎም።
“ናይ ቀደም ወለዶ “ከምዚ እንተዝገብር” እናበልና ከም ንኹንን ናይ ቀደም ወለዶ እውን ብቕድሚኡ ንዝነበሩ ወለዶታት እናኮነነ ፀኒሑ ኢዩ ዝበሉ ዶክተር ኣቢይ፥ ካብዚ ዕንክሊል ምውፃእ እንተዘይክኢልና ናትና ታሪኽ እውን ካብዚ ዝተፈለየ ክኸውን ስለዘይኽእል፤ እዚ ከይኸውን ሎሚ ኣብ ኢድና ዝርከቡ ዕድላት ለውጢ ፀንቂቕና ንምጥቃም ክንረባረብ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።
ንዘበናት እናተጓተቱ ዝመፅኡ ፖለቲካዊ ፈተናታት ንምፍታሕ ዘኽእልን መፃኢ ዘበን ሓዱሽ መሰረት ከንብር ዝኽእልን ከይዲ ብሄራዊ ምኽክር ናይ ሕዚ ወለዶ ኣብ ኢዱ ዘሎ ወርቃዊ ዕድል ተገይሩ ክውሰድ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።
መካተቲ ብሄራዊ ምኽክሩ ዕዉት ንኽኸውን እቲ ከይዲ ተቐባልነት ዘለዎ ኮይኑ ክሳለጥ ከምዘለዎ ገሊፆም።
እዚ ክኸውን ዝኽእል ድማ ኩሉ ሰብ ነቲ ከይዲ ምኽክር ብላዐለዋይነት ዝመርሖ ኮሚሽን ብሄራዊ ምኽክር ብዝተፈላለዩ መገዲታት ምድጋፍ፣ ምብርትታዕን ክተግህ ምግባርን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ብወገን መንግስቲ ካብ ላዕለዋይ ክሳብ ታሕተዋይ ውዳበ ምምሕዳር ዝተጣየሸ ኮሚሽን ምኽክር ብቅልጣፈ ንኽርሕ ኣድላዪ ሓገዝ ካብ ምግባር ንደሓር ኣይብልን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ምምሕዳር ክልላት ብቅንዕናን ብበዓል ዋናነትን ታሪኻዊ ሓላፍነት ብዝተመልኦ ኩነታት ኣድላዪ ዝኾነ እታወት ብምቕራብ ንስርሑ ምቹው ኩነታት ክፈጥሩ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብቲ ዘተ ከምዝሳተፍ ኣካል ጥራሕ ዘይኮነስ ከም በዓል ዋና ብምዃን ንዕትነት እቲ ከይዲ ኣድላዪ ሓገዝ ንኽገብሩ ሓቲቶም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ምሁራን፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን ነቲ መቀራረቢ መድረኽ ብምሕጋዝ ሃገራዊ ግቡኦም ንኽዋፅኡ ፀዊዖም።
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።