ኣሳታፊን መካተቲን ምህዳር ፖለቲካ ንኽህሉ ክንሰርሕ ኢና – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ስነ-ስርዓት በዓል ሽመቶም “ኣሳታፊን መካተቲን ምህዳር ፖለቲካ ንኽህሉ ክንሰርሕ ኢና” ክብሉ ተዛሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንዘበናት እናተኸዘኑ ዝመፅኡ ፀገማት ኢኮኖሚ ንምስዓር ብሓድነት ምልዓል ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ ውሽጢ ፍሕፍሕ ከይህሉ ብምዝርራብን ብብሄራዊ ሓድነት ምስራሕ ይግባእ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ነዚ ድማ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ዘካተተ መድረኽ ዘተ ከምዝህሉ ኣፍሊጦም፡፡

“ፀላኢ ኣብ ሰራዊት እዚ ሰሜን ግፍዒ ፈፂሙ ኢዩ፣ ኣቢያተ ትምህርቲን ትካላት ጥዕናን እናሰረቐ ንፁሃን ህፃናት ቀቲሉ ኢዩ ስለዝኾነ ድማ ብፈኸርኡ ዋጋ ኣኽፊሉና ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ ፈቲና ዘይኮነስ ተገዲድና ናብ ምርግጋፅ ህልውና ዝኣተና ምዃንና ክፍለጥ ይግባእ ኢሎም።

እዚ ድማ ምስ ሓይሊታት ፀላእቲ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዝተኣተወ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment