ኣርጀንቲና ናይ ፅዋዕ ዓለም ፃንሒታ ዝውስን ፀወታ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ክተካይድ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፅዋዕ ዓለም ኳታር ሎሚ መዓልቲ ምሸት ኣብ ምድብ ሰለስተን ኣርባዕተን ዝርከባ ሃገራት ናይ መወዳእታ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን፡፡

ኣብ ምድብ ኣርባዕተ ዝርከባ ቱኒዚያን ፈረንሳይን ከምኡ እውን ኣውስትራሊያን ዴንማርክን ምሸት 12 ሰዓት ክራኸባ ኢየን፡፡

ኣብቲ ምድብ ፈረንሳይ ሽዱሽተ ነጥቢ ብመሓዝ ናብ ዝቕፅል ዙር ምሕላፋ ዘረጋገፀት እንትትከውን÷ ኣውስትራሊያ ሰስተ ቱኒዚያን ዴንማርክን ድማ ሓደ ነጥቢ ብመሓዝ ናይ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ፀወተአን ከካይዳ ኢየን።

ብተመሳሳሊ  ካብ ምድብ ሰለስተ ስዑድ ዓረብ ምስ ሜክሲኮ፤ ፖላንድ ምስ ኣርጀንቲና ሰዓት ኣርባዕተ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሎም፡፡

ኣብ ምድብ ሰለስተ ፖላንድ ብኣርባዕተ ነጥቢ እንትትመርሕ÷ ኣርጀንቲናን ስዑድ ዓረብን ሰለስተ ነጥቢ ብመሓዝ ይስዕባ፡፡

ኣርጀንቲና ኣብ ፅዋዕ ዓለም ትገብሮ ፃንሒት ዝውስን ፀወታ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ክተካይድ ኢያ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment