ኣርጀንቲናን ክሮሺያን ዝራኸባሉ ናይ ሎሚ መዓልቲ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመፅዋዕ ዓለም ኳታር ትፅቢት ይግበረሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፅዋዕ ዓለም ኳታር ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ከተኣናግድን ኢዩ።

ሃገራዊያን ጋንታታት ኣርጀንቲናን ክሮሺያን ሎሚ ምሸት ሰዓት ኣርባዕተ ዝራኸባ እንትኾና÷ ካብ ብሕዚኡ ትፅቢት ተገይሩሉ ይርከብ።

ፅባሕ ፈረንሳይን ኣፍሪካዊትዋ ሞሮኮን ዝገብረኦ ፀወታ እውን ካሊእ ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ኢዩ።

ሞሮኮ ብሕታዊት ተወካሊት ኣፍሪካ እንትትከውን÷ ናብ ፍርቂ ፍፃመ ዝበፅሐት ኣፍሪካዊት ሃገር ዝብል ታሪኽ ኣመዝጊባ ኢያ።
ፅዋዕ ዓለም እንተተዓዊታ ድማ ካሊእ ሓዱሽ ታሪኽ ክመዝግብ ዘኽእላ ዕድል ኣብ ቅድሚታ ይርከብ።
ክልተ ግዘ ፅዋዕ ዓለም ዝዓተረት ኣርጀንቲና ድማ ኣብ ዘብን ኮኾብ ተፃዋቲኣ ሊዮኔል ሜሲ ካልኦት ፅዋዓት ትርከብ እምበር ፅዋዕ ዓለም ንምርካብ ብሃንቀውታ ትፅበዮ ነገር ኢዩ።
ብዲዲዬ ዲሾዉ ትምራሕ ፈረንሳይ ድማ ድሕሪ 60 ዓመት ኣብ ተኸታታሊ ውድድር ፅዋዕ ዓለም ፅዋዕ ንምዕታር ክትፃወት ኢያ።
እዚ ታሪኽ ቅድሚ ሕዚ ብራዚልን ጣሊያንን ከሳኸዐኦ ክኢለን።
ቅድሚ እቲ ውድድር ብዙሕ ግምት ዘይተውሃባ ክሮሺያ ብግደኣ ዘደንቕ ፀወታ ብምርኣይ ንጃፓንን ብራዚልን ስዒራ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ በፂሓ ትርከብ።
ቀፀልቲ ክልተ ፀወታታት እንተስዒራ ድማ ኣብ ታሪኻ ፈላማይ ፅዋዕ ዓለም ክትዓትር ኢያ።
ብሓፈሻ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ዘተኣናግድን ቀፃሊ ሰንበት መፈፀምትኡ ዝገብርን እቲ ውድድር÷ ኣብ ታሪኽ ኩዕሾ እግሪ ዝስነዱ ሓደሽቲ ታሪኻት ክምዝገቡሉ ኢዮም።
Comments (0)
Add Comment