ኣርኪዮሎጂን ፓሊዮንቶሎጂን መልካ ቁንጡሬ ባልጪት ኣብ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣርኪዮሎጂን ፓሊዮንቶሎጂን መልካ ቁንጡሬ ባልጪት ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህሊን (ዩኔስኮ) ሓድጊ ዓለም ብምዃን ተመዝጊቡ።

ኣብ ህንዲ ኒው ዴልሂ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 46 ዓመታዊ ዓለም ለኸ ጉባኤ ሓድጊ ዩኔስኮቦታ ኣርኪዮሎጂን ፓሊዮንቶሎጂን ባልጪት ሰለስተ መለክዒታት ብምምላእ ሓድጊ ዓለም ኮይኑ ተመዝጊቡ፡፡

እቲ ቦታ ሓድጊ ዓለም ንኽኸውን ካብ ዘብቅዑዎ መለክዒታት ሓደ ልዕሊ 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዓመት ክሳብ ናይ መወዳእታ ዘበነ እምኒ ወዲ ሰብ ይጥቀመሎም ዝነበሩ ናይ እምኒ መገልገሊ ዝርከቡሉ ምዃኑ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ክሳብ 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዓመት ዕድመ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ሓድጊ ኣካላት ሰብን እንስሳትን ብበዝሒ ዝርከቡሉ ቦታ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ፡፡

እቲ ሓድጊ ተሓሊዩ ጠጠው ንኽብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ከምዝገብር ከምዘረጋገፁ ሓበሬታ ሚኒስቴር ቱሪዝም የመላኽት፡፡

Comments (0)
Add Comment