ኣርቲስት ጀምበሬ በላይ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ተዋስኦ መድረኽ ልዕሊ 40 ዓመታት ዘገልገሉ ኣርቲስት ጀምበሬ በላይ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም።

ኣርቲስት ጀምበሬ በላይ ካብ 1949 ክሳብ 1953 ዓ.ም ኣብ “ሃገር ፍቅር ማህበር” ኣገልጊሎም።

ከምኡ’ውን ካብ 1953 ክሳብ 1988 ዓ.ም ኣብ ብሄራዊ ቴኣትር ኢትዮጵያ ብተዋስኦ መድረኽ ከገልግሉ ፀኒሖም ኢዮም።

እቶም ኣርቲስት ብተዋስኦ ካብ ዝተሳተፉሎም ጥበባት፥ “የአዛውንቶች ክበብ፣ ኦቴሎ፣ የከተማዉ ባላገር፣ ሐምሌት፣ የዋናው ተቆጣጣሪ፣ የእጮኛዉ ሚዜ፣ የልብ ፅጌሬዳ፣ 1 ዓመት ከ1 ቀን፣ የፌዝ ዶክተር፣ የእግር እሳት፣ የሚስጢር ዘብን የድል አጥቢያ”ን ብኣብነት ተረቋሕቲ ኢዮም።

ብተወሳኺ “የዘመቻው ጥሪ፣ ኣመል ኣለብኝ፣ ግራ የገባው ግራ፣ ያልተከፈለው እዳ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝፍለጡ ድራማታት ቴሌቪዥን እውን ከምዝተዋስኡ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

ኣርቲስት ጀምበሬ በላይ ብ1933 ዓ.ም ብናይ ቀደም ኣፀዋውዓ ኣብ ክፍለ ሃገር ጎጃም ዝተወለዱ አንትኾኑ፥ ኣቦ ክልተ ደቂ ኣንስቲዮን ኣርባዕተ ደቂ ተባዕቲዮን ነይሮም።

Comments (0)
Add Comment