“ኣርቲስት ዓሊ ቢራ ምልክት ፍቕሪ ሃገር ኢዩ” – ኣፈ ጉባዔ ኣገኘሁ ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩለመዳይ ናይ ጥበብ ኣርቲስት ዓሊ ቢራ ምልክት ፍቕሪ ሃገር ከምዝኾነ ኣፈ ጉባዔ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም።

ኣይተ ኣገኘሁ ተሸገር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወዳጅነት ኣደባባይ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምፍናው ኣስከሬን ኣርቲስት ዓሊ ቢራ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ÷ ብሕልፈት እቲ ኣርቲስት ዝተሰመዖም ሓዘብ ብሽም መንግስቲ ፌዴሪኢን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ገሊፆም፡፡

ኣርቲስት ዓሊ ቢራ ብዙሕነት ምስ ሓድነት ኣጣሚሩ ዝሓዘ ዝተማለአ ስነ-ጥበባዊ ሰብ ከምዝነበረ ገሊፆም፡፡

“ዓሊ ቢራ ልሳን ከምዝነበረ ብምሕባር፤  ብዝዛረቦምን ዝደርፎምን ቋንቋታት ኩሎም ሓድነት ሰቢኹም ኢዩ” ኢሎም፡፡

ሃገር ኣብ ዝተነኽአትን ኣብ ዝኸፍኣን እዋን ኣርቲስት ዓሊ ቢራ ፈላማይ ተሰላፊ ከምዝነበረ ዘዘኻኸሩ እቶም ኣፈ ጉባኤ÷ “ኣርቲስት ዓሊ ቢራ ምልክት ፍቕሪ ሃገር ኢዩ” ክብሉ ኣብሪሆም፡፡

ንበዓልቲ ቤቱ፣ ስድርኡ፣ ፈተውቱን ኣድነቕቱን ብሽም መንግስቲ ፌዴሪኢን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ፅንዓት ተመኒዮም፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment