ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ እንትቕተል ሓቢራቶ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ላምሮት ከማል ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲታት ክሲ ንኽምስርት ቤት ፍርዲ ፈቒዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ. ቢ.ሲ)ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ እንትቕተል ሓቢራቶ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ላምሮት ከማል ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲታት ክሲ ንኽምስርት ቤት ፍርዲ ፈቒዱ።

መርማሪ ፖሊስ እቲ ጉዳይ ንዝተመልከተ ታረኛ ቆፀሮ ቀዳማይ ብርኪ መጋባእያ ፌዴራል ደረጃ ኣራዳ ምርመሩኡ ከምዝዘዘመ ብምግላፅ መዝገቡ ንዓቃቢ ሕጊ ኣረኪቡ።

ዓቃቢ ሕጊ እውን ስነ-ስርዓት መቕፅ ሕጊ ገበን 109 መሰረት ብምግባር 15 መዓልቲ መመስረቲ ክሲ ይወሃበኒ ክብል ንቤት ፍርዲ ሓቲቱ።

ተጠርጣሪት ብግደኣ፥ ኣርቲስት ሃጫሉ መሓዛይ ኢዩ፣ ኣብቲ እዋን ሓቢረዮ ምንባረይ ኣይክሕድን፣ ንህይወተይ እንተይሰጋእኹ እቶም ገበነኛታት ኣርኢየ ኢየ፣ ስለዝኾነ ማሕበራዊ ህይወት ስድራቤተይ ከይተኣቋጎል ብዋሕስ ይልቀቐኒ ክትብል ሓቲታ።

ቤት ፍርዲ ድማ ብመሰረት ስነ-ስርዓት መቕፅዒ ሕጊ ገበን 63 እቲ ጉዳይ ገበን ቅትለት ዝተፈፀመሉ ስለዝኾነን ስልጣን ብዘለዎ ቤት ፍርዲ ክሲ እንትምስረት ልዕሊ 15 ዓመት ማእሰርቲ ዘቕፅ ስለዝኾነን ዋሕስ ዝኽልክል ኢዩ ብምባል ሕቶ ዋሕሳ ውድቂ ገይሩዎ።

ይኹን እምበር ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ ክሲ እንተዘይመስሪቲ ስምዕታ ሕቶ ዋሕስ ምቕራብ ከምዝከኣል ገሊፁ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment