ኣርቲስታት 5 ጳጉመን ንዝኽበር መዓልቲ ሓድነት ዝኸውን ክሊፕ ሙዚቃ ብምስራሕ ኣረኪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣርቲስታት 5 ጳጉመን ንዝኽበር መዓልቲ ሓድነት ዝኸውን ክሊፕ ሙዚቃ ብምስራሕ ኣረኪቦም።

እቲ ኣልበም ሙዚቃ፥ “እንትንሓበር ከምሕረልና” ዝብል ርእሲ ዘለዎ ኢዩ ተባሂሉ።

እቶም ስነ ጥበበኛታት፥ ብዛዕባ ሓድነት፣ ሰላም፣ ፍቕሪን ምትሕስሳብን ዝሰብኩ ስራሕቲ ሙዙቃ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብምስራሕ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ መዓልቲ ሓድነት ኣብ ዝተረኸበትሉ ንሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ዶክተር ኣብርሃም በላይ ኣረኪቦም።

እቲ ክሊፕ ሙዚቃ ሓሙሽተ ዝተፈላለዩ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ዝሓዘ እንትኸውን፥ እቲ ስራሕቲ ብዙሕነት ብዘንፀባርቕ መገዲ ዝተሰርሐ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ኢትዮጵያ ከመዝተሰርሐ እውን ተገሊፁ።

ብመራኦል ከድር

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment