ኣርባዕተ ዞባታት ክልል ኦሮሚያ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር 705 ሰንጋታትን 7 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብርን ድጋፍ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበርቲ ዞባታት ቦረና፣ ምዕራብ ጉጂ፣ ምዕራብ ሃረርጌን ፊንፊኔ ዙሪያን ፍሉይ ዞባ ኦሮሚያን ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኸውን 705 ሰንጋታትን 7 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብርን ድጋፍ ገይሮም።

ካብ ኣርባዕቲአን ዞባታት ዝተወከሉ ሓለፍቲ ስራሕን ኣባገዳታትን ከምኡውን ዓበይቲ ዓዲ ኣብ ምድሪ ሓይሊ ፌዴሪኢ ተረኺቦም እቲ ውህብቶ ኣበርኪቶም።

እቶም ተወከልቲ ንቐፃሊ እውን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንምድጋፍ ቁርፀኛታት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ኣብቲ መርሃግብሪ ደገፍ ዝተረኸባ ሚኒስትር ዴኤታ ምክልኻል ሃገር ወይዘሮ ማርታ ሊዊጂ፥ ካብተን ዞባታት ንዝተገበረ ደገፍ ምስጋና ከምዘቕረባ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment