ኣርባዕተ ኢትዮጵያዊያን ዳያኑ ደቂ ኣኒስቲዮ ፀወታ ትሕቲ 17 ዓመት ምፅራይ ፅዋዕ ዋንጫ ክመርሓ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣርባዕተ ኢትዮጵያዊያን ዳያኑ ደቂ ኣኒስቲዮ ዓለም ለኸ ምፅራይ ፅዋዕ ዋንጫ ፀወታ ትሕቲ 17 ዓመት ደቂ ኣኒስቲዮ ክመርሓ ኢየን።

ህንዲ ኣብ እተዳልዎ እቲ ፀወታ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዓለም ለኸ ምፅራይ ፅዋዕ ዋንጫ ፀወታ ትሕቲ 17 ዓመት ደቂ ኣኒስቲዮ ይገበራ ኣለዋ።

ኣብቲ ምፅራይ ኢትዮጵያ ምስ ደቡብ ኣፍሪካ ክትፃወት ኢያ።

ብሩንዲ ድማ ምስ ታኒዛኒያ ቀዳም ሰዓት 10 ድሕሪ ቀትሪ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን።

እቲ ፀወታ ኣርባዕተ ኢትዮጵያዊያን ዳያኑ ደቂ ኣኒስቲዮ ከምዝመርሕኡ ካፍ ኣፍሊጡ።

እቲ ፀወታ ፀሃይነሽ ኣበበ ብማእኸል ዳይና ከትመርሕ ኢያ።

ወይንሸት ኣበራ፣ ወጋየሁ ዘውዴን ምስጋና ጥላሁንን ድማ ብሓጋዚ ዳይነት ነቲ ፀወታ ከመዝመርሕኡ ተሓቢሩ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment