ኣርባዕተ ትውልዲ ዝጣመረሉ ዓቢዩ ኢትዮጵያዊ እንግዶት ሙዚቃ ኣብ ኣደባባይ መስቀል ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣርባዕተ ትውልዲ ዝጣመረሉ ዓቢዩ ኢትዮጵያዊ እንግዶት ሙዚቃ ኣብ ኣደባባይ መስቀል ከምዝካየድ ተገሊፁ።

ሓይሊ ኪነ-ጥበብ ብምጥቃም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እናበፅሐ ዝርከብ ፅዕንቶ “የኣክል” ንምባል ዘኽእል እንግዶት ሙዚቃ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ 21 ጥሪ 2014 ዓ.ም ኣብ ኣደባባይ መስቀል ካሳለጥ ኢዩ።

ነቲ መድረኽ ኣመልኪቶም ዓበይቲን መናእሰይን ሰብ ሞያ ሙዚቃ ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ዝሃቡ እንትኾኑ፥ ካብቲ መድረኽ ዝርከብ ኣታዊ ንዝተጎድኡ ወገናት ንምድጋፍ ዝውዕል ኢዩ ኢሎም።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ እቲ መድረኽ እንግዶት ሙዚቃ ሓድነት ዝፈጥር፣ ብኪነ-ጥበብ ሃገራዊ ሓላፍነት ምውፃእ ክዝከኣል ንምርኣይ ከምዝኾነ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

ብቆንጂት ዘውዴ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment