ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 14 ሰሙን መርሃ ግብሪታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ እንትቕፅሉ ምሸት ሰዓት 5፡15 ኣርሰናል ኣብ ኤምሬትስ ስታዲየም ምስ ማንቼስተር ዩናይትድ ዝገብረኦ ፀወታ ብሃንቀውታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡
ኣብ ሞንጎ እተን ጋንታታት ብፍላይ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1996 ክሳበ 2004 ዝነበረ ብርቱዕ ንሕንሕ÷ ኣብ ታሪኽ ኩዕሾ እግሪ እንግሊዝ ቅድሚኡ ይኹን ድሕሪኡ ዘይተደገመ ኢዩ እናተብሃለ ይግለፅ፡፡
ይኹን እምበር ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ከይዲ ካብ ንሕንሕ ፅዋዕ ፕሪሚየር ሊግ ምርሓቐን ዝነበረን ንሕንሕ ነክዩ ከምዝነበረ ይንገር፡፡
ብስፔናዊ ኣሰልጣኒ ሚኬል ኣርቴታ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ዝመፅአት ኣርሰናል÷ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ንኽብሪ ፅዋዕ እቲ ፕሪሚየር ሊግ ኣብ ጫፍ በፂሓ ኣይሰመረላን፡፡
ጋንታ ማንቼስተር ዩናይትድ እውን ድሕሪ ኣሰልጣኒ ሰር ኣሌክስ ፈርጉስን ናብ ዘነበረቶ ክብሪ ዝምልሳ ኣይተረኸበን፤ ብዙሓት ኣሰልጠንቲ እውን እናለዋወጠት ትርከብ፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ንኤሪክ ቴን ሃግ ብምትካእብ ዝተሾሙ ፖርቹጋላዊ ኣሰልጣኒ ሩበን ኣሞሪም እናተመርሐት ምንቐቓሕ እናርአየት ትርከብ እታ ጋንታ ንኣርሰናል ፈተና ክትከውን ከምትኽእል ተገሚቱ፡፡
ካልኦት መርሃ-ግብሪታት እቲ ሊግ እንትቕፅሉ÷ ምሸት ሰዓት 4፡30 ኤቨርተን ምስ ዎልቭስ፣ ማንቼስተር ሲቲ ምስ ኖቲንግሃም ፎረስት፣ ኒውካስል ዩናይትድ ምስ ሊቨርፑል ከምኡ እውን ሳውዝሃምፕተን ምስ ቼልሲ ክራኸባ ኢየን፡፡
ከምኡ እውን ምሸት ሰዓት 5፡15 ኣስቶንቪላ ምስ ብሬንትፎርድ ከምዝፃወታ ዝወፅአ መርሃ ግብሪ የመላኽት፡፡