ኣርመኒያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ብዝበለፀ ከምእተጠናኽር ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣርመኒያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ኣብ ሕውነት ዝተሰረተ ርክብ ብዝበለፀ ከምእተጠናኽር ገሊፃ።

ኣምባሳደር ኣርመኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ሳህክ ሳርጊሲያን ጋንታ ስፖርት መቻል ተዘዋዊሮም ርእዮም።

ኣብቲ ዑደት፥ ብዛዕባ ጋንታ መቻል ታሪካዊ ኣመፃፅኣ፣ ብዛዕባ ተሳትፎ ኦሊምፒክ ስፓርተኛታት እቲ ጋንታ፣ ብዛዕባ እዋናዊ ኣወዳድባን ተዛመድቲ ጉዳያትን እቲ ጋንታ ነቶም ኣምባሳደር መብርሂ ተዋሂቡዎም።

ሙዚዬምን ዘመናዊ ጅምናዚዬምን እቲ ጋንታ እውን ተዘዋዊሮም ምዕዛቦም ኣብ ማሕባራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣምባሳደር ሳሀክ ሳርጊሲያን፥ ኢትዮጵያን ኣርመኒያን ታሪካዊን ፅኑዕን ርክብ ከምዘለወን ኣስታዊሶም።

ኣብ ቀፃሊ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ሕውነት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

 

Comments (0)
Add Comment