ኣርመኒያ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘለዋ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ምስ ኣምባሳደር ኣርመኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ሳህክ ሳርግስያ ዘቲዮም።

ኣብቲ ዘተ፥ ከልቲአን ሃገራት ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ዓውዲታት ብምትሕብባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

በለጠ ሞላ (ዶ/ር )፥ ኢትዮጵያ ንዓውዲታት ሳይንስ፣ ቴከኖሎጂን ኢኖቬሽንን ፍሉይ ጠመተ ብምሃብ ምዕባለ ሃገራዊ ኢኮኖሚ ንምቕያር ምስ መሻርኽቲ ኣካላት ብምትሕብባር ትሰርሕ ኣላ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ዲጂታል ኢኮኖሚኣ ንምምዕባል እትገብሮ ፃዕሪ ንምዕዋት ምስ ኣርመኒያን ካልኦት ኣብቲ ዓውዲ ለምዲ ዘለወን ሃገራትን ዝጠመቐ ዝምድና ምፍጣር ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ዝተመረፁን ንምዕባለ ህዝቢ ሓገዝቲ ዝኾኑ ዛዕባታትን በምድላይ ናብ ውፅኢት ናይ ምቕያር ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

ኣምባሳደር ሳህክ ሳርግስያን ብግደኦም፥ ኣርመኒያ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ኣይሲቲ፣ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን፣ ኢንዱስትሪን ካልኦት ዝተፈላለዩ ዓውዲታትን ዘለዋ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ምግላፆም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment