ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣረመኔ ጉጅለ ህወሓት ንፁሃን ብጅምላ ብምርሻን ዓለም ለኸ ገበን ከምዝፈፀመ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር መተሓባበሪ ማእኸል ህንፀት ዴሞክራሲ ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ ገሊፆም።
ሓልፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ኣመራርሓታት መራኸብቲ ሓፋሽ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን፥ ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ዳባት ጣቢያ ጭና ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ብግፍዒ ዝተጨፍጨፉ ወገናት ዝተቐበሩሉ ቦታ ጎብኒዮም።
ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓማውቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነኒባዕሉ እናባለዐን ክጠራጠሩ እናገበረን ዝነበረ ናይ ክፉኣት እኽብካብ ኢዩ።
እቲ ጉጅ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንኢትዮጵያ እንተዘይኣጥፋእኹ ብምባል ንፁሃን ብጅምላ ብምርሻን ዓለም ለኸ ገበን እናፈፀመ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ህዝቢ ጭና ልዑል መስዋእትነት ብምኽፋል ኢትዮጵያ ከፍርስ ኢየ ኢሉ ዝመፅአ ወራሪ ሓይሊ ቅስሙ ብምስባር ንኹሎም ኢትዮጵያውያን ውዕለታ ኮይኑ ኢዩ ኢሎም።
እቲ ግብረ ራዕዲ ዳግም ኣብ ምድሪ ኢትዮጵያ መሰል ዘስካሕኽሑ ግፍዒታትን ጭፍጨፋታትንከይፍፅም ብዝተሓባበረ ቅልፅም ከምዝድምሰስ ተዛሪቦም።
እቲ ጉጅለ ኣመራርሓታትን ሓለፍቲ ስራሕን፥ ብግፍዒ ዝተጨፍጨፉ ወገናት ዝተቐበሩሉ ቦታ፣ ብኲናት ጉድኣት ዝበፅሖም ወገናት፣ ኣብ ግምባር ማይ እናተቃለሰ ዝርከብ ሓይሊ ፀፅታ ብምዕዛብ ስነ-ስርዓት ምብርትታዕ ከምዘካየደን ዑደቱ እናቐፀለ ከምዝርከብን ተገሊፁ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።