ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ስዒቡ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ዘካየዶ ትዕዝብቲን ዝረኸቦ ርካቦትን ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ሰብኣዊ መሰል ስዒቡ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴሪኢ ዘካየዶ ትዕዝብቲን ዝረኸቦ ርካቦትን ዕላዊ ገይሩ።

እቲ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ወርሒ ግንቦት 2012 ዓ.ም “Beyond Law Enforcement: Human Rights Violations by Ethiopian Security Forces in Amhara and Oromia.” ብዝብል ርእሲ ፀብፃብ ሰብኣዊ መሰል ምውፅኡ ኣዘኻኺሩ።

እቲ ፀብፃብ ስዒቡ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴሪኢ ካብ ኣብያተ ዕዮ ዓቀብቲ ሕጊ ክልል ኦሮሚያን ኣምሓራን ከምኡ እውን መርመርቲ ፖሊስ፣ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ትካላት ሲቪል ማህበረሰብ ዝተውፃእፀአ ጉጅለ ምፅራይ ብምውዳብ ኣብ ትሕዝቶ እቲ ፀብፃብ ናይ ዝተዘርዘሩ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ሓቃውነት ንክፃረ ከምዝገበረ ገሊፁ።

ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል፥ እቲ ጉጅለ ዘካየዶ ትዕዝብቲን ዝረኸቦ ርካቦትን ብዝምልከት ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብምዃን ልዝብ ንምግባር ሕቶ ኣቕሪቡ ከምዝነነበረ እውን ሓቢሩ።

ይኹን እንበር እቲ ሕቶ ነቲ ትካል ዝበፅሖ እኳ እንተኾነ ክሳብ ሐዚ እኹል ምላሽ ከምዘይተረኸበ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ሕጊ ንምኽባር ክብል ዝወስዶም ስጉምቲታት ኩሎም ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ብምምሳል ናይ ምፅላም ዝንባለ ዘለዎ፣ ብኣብዝሓ “ገለልተኝነት” ዝጎደሎ፣ ፀገም ምዘና መረዳእታ ዘለወ፣ ነባራዊ ኩነታት እዛ ሃገር ዘየገናዘበን ካልኦት መሰረታዊ ግድፈታት ዘለዉዎን እኳ ፀብፃብ እንተኾነ፥ ኣብቲ ፀብፃብ ካብዝተኻተቱ ወቐሳታት ጥሕሰት መሰል ዝተወሰኑ ብኽፋል እውን እንተኾነ ተኣማኒነት ዘለዎም ኢዮም ኢሉ።

ብኽፋል ተኣማኒነት ካብ መንጎ ዘለዎም ጉዳያት፥ ኣምነስቲ ብሪፖርት ቅድሚ ምውፅኡ ብመንግስቲ ተፈሊጦም ተሓታትነት ንምርግጋፅ ዓሊሙ ስራሕቲ ምርመራ ክካየደሎም ከምዝፀንሐ ድማ ተሓቢሩ።

ይኹን እንበር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ቅድመ ሐዚ ከም ትካል ካብ ዝፍለጠሎም ፅሬቶም ዝሓለዉን ተኣማኒነት ካብ ዘለዎምን ፀብፃባት ብዝተፈለየ መልክዑ እዚ ናይ ሐዚ ሪፖርት ናይቲ ትካል መምርሒን መለክዒታትን ኣሰነዳድኣ ፀብፃብ ሰብኣዊ መሰል ዘየማልአ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ፀብፃብ “ገለልተኝነት” ዝጎደሎ፣ ዉሑዳትን ተኣማኒነት ዝጎደሎምን መሰኻኽር ብምሓዝ ኣዝዩ ውስብስብ ኣብ ክሊ ዝኾነ ጎንፂን ፀገማት ፀፅታን ዝተሰሓሓቱ መዛዘሚታት ዝሃበ ኢዩ ተባሂሉ።

ካብዚ ሓሊፉ መንግስቲ ኣብ ከይዲ ምኽባር ሕጊ ዝወሰዶም ስጉምቲታት ኩሎም ጥሕሰት መሰል ገይሩ ንምቕራብ ብዝገበሮ ፃዕሪ ኣብ መሬት ዘየለዉ ጉዳያት ከምዘለዉ ብምምሳል ዘቕርብ ብምዃኑ ከምኡ እውን ኩነታት ከየርኣየ ምሕላፉ ኣብ ምስንዳእ ሪፖርት ዘሎ ውግንና ፖለቲካ ዘርእይ ከምዝኾነ ድማ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ገሊፁ።

ብተወሳኺ ጥሕሰት መሰል ተፈፂሙዎም ኢዩ ኣብ ክሊ ዝበሎም ዛዕባታት ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ዕጡቓትን ብሕቡእ ዝንቀሳቐሱን ሓይሊታት ብፍላይ ኣብ ዞባ ጉጂ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስቲን ዝፍፅምዎ ዝነበሩ ገበንን መጥቃዕቲን ዘይምግላፁ፤  ብኻሊእ መዳይ ድማ መንግስቲ ድሕንነት ዜጋታት ንምኽባር ዓሊሙ ሓላፍነቱ ኣይተዋፅአን ዝብል ወቐሳ እናቕረበ መንግስቲ ሓላፍነቱ ንምውፃእ ዝወስዶም ስጉምቲታት መሊሱ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ገይሩ ምንቃፉ ጌጋ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ሓቂ ዘይኮኑ መረዳእታታት ምክታቱ ከምኡ እውን ኣብ ገሃዳዊ ዓለም ዘየለዉ ስምን ሓላፍነትን መሰኻኽር እናረቑሐ ከምዘቕረበ ተሓቢሩ።

እዞም ግድፈታት ናይ ኣጋጣሚ ስሕተታት ዘይኮኑስ ውሱናት ኢትዮጵያውያን ፀሓፍቲ እቲ ፀብፃብ፥ ቅድመ ሐዚ ኣብ ስልጣን ዝነበሩን ሐዚ ዘሎ ለውጢ ንምትዕንቓፍ ዓሊሞም ይሰርሑ ኣብ ዘለዉን ፓርቲታት ፖለቲካ ምስ ዝነበሮም ዝፍለጥ ንቑሕ ተሳትፎ ብምትሕሓዝ ኮነ ተባሂሉ ዝተፈፀመ ከምዝኾነ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ዘለዎ እምነት ገሊፁ።

ስለዝኾነ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ቀፃሊ ምስ መንግስቲ ንዝህልዎ እወንታዊ ምትሕብባርን ርክብ ስራሕን ክበሃል ኣሰናድኣ እቲ ፀብፃብ ብዝምልከት ናይ ውሽጡ ምርመራ ንክገብርን ንክፍትሽን ፃውዒት ኣቕሪቡ።

መንግስቲ ኣብቲ ፀብፃብ ካብ ዝተሓበሩ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ተኣማኒነት ኣብ ዘለዎም ውሱናት ጉዳያት ቅድም ክብል ዝጀመሮ ተሓታትነት ናይ ምርግጋፅ ስራሕ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ብዝበለፀ ንምኽባር ዓሊሙ ምስ ሃገራዊን ዓለም ለኻዊን ትካላት ሰብኣዊ መሰልን መዳርግቲ ኣካላትን ዝገብሮ ምትሕብባር ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment