ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ማይካድራ ብዙሓት ሰላማዊ ሰባት ከምዝተቐተሉ ኣረጋጊፀ ኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኻዊ ተኻታዒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ማይ ካድራ ብዙሓት ንፁሃን ሰባት ከምዝተቐተሉ ምርግጋፁ ገሊፁ።

እቲ ትካል ብምርመራ ሓበሬታ ላብራቶሪ ህውከትን ሳትላይትን ኣብ ማይ ካድራ ብዘስካሕኽሕ ኩነታት ዝተቐተሉ ሰባት በቢቦትኡ ተደብሪዮም ወይ ድማ ብቃሬዛ ኣስከሬናት ተሸኪሞም እናተንቀሳቐሱ ዘርኢ ምስሊን ተንቀሳቓሲ ምስሊታትን ምርካቡ ገሊፁ።

እቶም ዝተረኸቡ ምስሊታት ናይ ቀረባ እዋን ከምዝኾኑ ከረጋግፅ ከምዝኸኣለ እውን እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

ብዙሓት ሰላማዊ ዜጋታት ከምዝተጨፍጨፉ ኣረጋጊፀ ኣለኹ ዝበለ ኣምነስቲ፥ በቲ ጨፍጫፍ ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት መንግስቲ ኣብቲ ከባቢ እናወሰዶ ምስ ዝርከብ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ርክብ ዘይብሎም ሰላማዊ ሰባት ከምዝኾኑ እውን ገሊፁ።

ብዙሕ ኣስከሬን ዝተረኸበ ኣብ ማእኸል እታ ኸተማ ከምዝኾነ ዝገለፀ እንትኸውን፥ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰባት ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ሰራዊት ምክልኻልን ካልኦት ሓይሊታት ፀፅታን ነታ ከተማ ቅድሚ ምቁፅፃሮም ኢዩ እውን ኢሉ።

እቶም ዝተቐተሉ ሰላማዊ ሰባት ብበሊሕ ነገር ከምዝተቐተሉ ዝሓበረ እቲ ትካል፥ ካብ ዓይኒ መሰኻኽር ረኺበዮ ኣብ ዝበሎ ሓበሬታ መሰረት እቲ መቕተልቲ ዝፈፀሙዎ ብጉጅለ ህወሓት ዝምራሕ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይን ሚሊሻታትን ከምዝኾነ ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment