ኣምባሳደሮች ሓላፊነቶም ብትግሃት ንኽዋፅኡ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2016(ኤፍ ቢ ሲ)ሓደሽቲ ንዝተሾሙ ኣምባሳደራት ዝተውሃቦም ሓላፍነት ብትግሃት ክዋፅኡ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ አምባሳደር ነብዩ ተድላ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ሃገር ምውካል ብዪ ክብሪ ከምዝኾነ ብምግላፅ ሓደሽቲ ተሸወምቲ ኣምባሳደራት ዝተውሀቢም ሓላፍነት ብትግሃት ክፍፅሙ ከምዝግበኦም ገሊፆም፡፡

“ዘለዎም ልምዲ ብምጥቃም ተለዋዋጢ ዝኾነ ኩነታት ዓለም ተረዲኦም ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ንረብሓ ሃገሮም ብትግሃት ንኽሰርሒ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ” ኢሎም፡፡

ብኻሊእ መዳይ ኢትዮጵያ ስምምዕነት ምውፋር ስራሕ ኣብ ዘይፈፀመትለን ሓደ ሓደ ሃገራት እስያ ብዘይሕጋዊ ኣዘዋወርቲ ሰባት ኣቢሉ እናተገበረ ዝርከብ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ብምሕባር ሕብረተሰብ ጥንቃቐ ንኽገብር እውን ምዒዶም፡፡

እቲ ጉዳይ ምስ ዝምልከቶም ሃገራት ብምትሕብባር ኣብ ፀገም ዝርከቡ ዜጋታት ንምምላስን እዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ጠጠው ንምባልን መንግስቲ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment