ኣምባሳደር ጀማል በከር ምስ ሓላፊ ታካል ዓለም ለኸ ስደተኛታት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ባህሬን ጀማል በከር ምስ ተወካሊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ባህሬንን ሓላፊ ትካል ዓለም ለኸ ስደተኛታትን ዝኾኑ የዓለም አቀፍ የስደተኞች መሓመድ ኣልዛርካኒ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ብምትሕብባርን ብምውዳድን ሓቢርካ ንምስራሕ ዘኽእሉ ጉዳያት ኣድሂቦም ተመያይጦም፡፡

ኣምባሳደር ጀማል በከር ኣብቲ እዋን፥ ኣብ ሓፈሻዊ እዋናዊ ኩነታት ሃገር ኣመልኪቶም ሰፊሕ ገለፃ ገይሮምሎም፡፡

ሓላፊ እቲ ትካል መሓመድ ኣልዛርካኒ ብግደኦም፥ እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ንዝተገበረሎም ገለፃ ኣመስጊኖም፡፡

ኣብ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኢትዮጵያ ዝበፅሕ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ንምፍታሕ ኣብ ቀፃሊ ብዝበለፀ ፃዕሪ ከምዝግበር እውን ገሊፆም፡፡

በተጨማሪም በተለያዩ ምክንያቶች በባህሬን ለችግር የሚጋለጡትን ኢትዮጵያን ዜጎች ለመርዳት ዝግጁ መሆናቸውን አረጋግጠዋል፡፡

ክልቲኦም ሓለፍቲ ኣብ መወዳእታ ኣብ ቀፃሊ እዋን ብምትሕብባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕ ምብፀሖም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment