ኣምባሳደር ጀማል ምስ ሚኒስትር ነዳዲ ባህሬን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ፌዴሪኢ ኣብ ባህሬን ጀማል በከር ምስ ሚኒስትር ነዳዲ ባህሬን ሼክ መሓመድ ኣብ ክልተኣዊን በዓል ብዘሁሕ ወገን ዞባዊ ርክባትን ኣድሂቦም ዘቲዮም።

ኣምባሳደር ጀማል ኣብኢትዮጵያ ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት ሰላምን ፀፅታን፣ ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚን ኢንቨስትመንትን ዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ሚኒስትር ነዳዲ ባህሬን ሼክ መሓመድ ብግደኦም፥ ንዝተገበረሎም ገለፃ ብምምስጋን ኢትዮጵያ ጥንታዊት ናይ ስልጣነን ናፅነትን ሃገር ከምዝኾነት ተዛሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ ብዘሁሓት ዕድላት ከምዘለዉዋ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚነሲቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ክልቲኦም ሓለፍቲ ኣብ ዘተኦም፥ እተን ሃገራት ኣብ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገን ርክባትን ብዝበለፀ ብሓባር ንምስራሕን ንምጥንኻርን ኣብ ስምምዕነት በፂሖም።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment