ኣምባሳደር ዶክተር ኣይሮሪት መሓመድ ያሲን ምስ ሓለፍቲ ናፃ ዞባ ኢኮኖሚ ሰላላህ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍሉይ ልኡኽን በዓል ምሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያን ኣብ ኦማን ኣምባሳደር ዶክተር አይሮሪት መሐመድ ያሲን ምስ ሓለፍቲ ናፃ ዞባ ኢኮኖሚ ሰላላህ  ተዛቲዮም።

እቶም ኣምባሳደርን ሰራሕተኛታት እቲ ኤምባሲን፥ ምስ ፈፃሚ ስራሕ ሰላላህ ናፃ ዞባ ኢኮኖሚ ኣይተ ዓሊ ሞሓመድ ታቡክ ኢዮም ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኣድሂቦም ዝተዛተዩ።

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘለዉ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ዝምልከት መብርሂ ተዋሂቡ።

ሓለፍቲ ናፃ ዞባ ኢኮኖሚ ሰላላ ብግደኦም፥ ብዛዕባ ኣሰራርሓ ናፃ ዞባ ኢኮኖሚ ሰላላን ኣብ ውሽጡ ዘለዉ ኣገልግሎታትን ፋብረካታትን ገለፃ ገይሮም፡፡

ኣብቲ ዝተገበረ ዘተ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኦማንን ዘሎ ርክብ ኢኮኖሚ ንምጥንኻር ብምትሕብባር ንምስራሕ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment