ኣምባሳደር ድሪባ ኩማ ንሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ስዊድንን ሃገራት እቲ ከባቢን ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝተወሰደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ መብርሂ ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ድሪባ ኩማ ንሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ስዊድንን ሃገራት እቲ ከባቢን ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝተወሰደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ መብርሂ ሂቦም።

ኣምባሳደር ድሪባ ንሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ስዊድን፣ ኖርዌይን ዴንማርክን መብርሂ ዝሃቡ እንትኾኑ፥ ጉጅለ ገበነኛታት ህወሓት ብመሰረት ዝፈፀሞ ዘይሕጋዊ ተግባር መንግስቲ ሕጊ ንምኽባር ከምዝተገደደ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ እቲ ጉጅለ ሕገ መንገስቲ ብምጥሓስ ኣብ ለዕሊ ኣባላት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ኣረዲኦም።

ብመንግስቲ ዝተወሰደ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ብመንፅር ምኽባር ሉእላውነት ኢትዮጵያ ኣድላዪን ወሳኒን ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ድሕንነት ሰላማዊ ዜጋታት ኣብ ግምት ብምእታው ከምዝተዛዘመ ኣብሪሆም።

ክልል ትግራይ መሊስካ እግሪ ንምትካል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እቶም ሚኒስትራት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክተሓባበሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment