ኣምባሳደር ድሪባ ኩማ ምስ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፊንላንድ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ስዊድንን ካልኦት ሃገራት ዮርዲክን በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ፌዴሪኢ ድሪባ ኩማ ምስ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፊንላንድ ካይ ሱዌር ተዛቲዮም።

እቶም መራሕቲ፥ መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘካየዶ ወፍሪ ምኽባር ሕጊን ካልኦት ክልቲኣዊ ጉዳያትን ብዝምልከት ከምዝተዛተዩ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣምባሳደር ድሪባ ኩማ፥ መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ናብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዝኣተወ ተገዲዱ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዚ ዝኾነ ድማ ኣፈላላይ ብሰለማዊ መገዲ ንምፍታሕ ፍቃደኛ ብዘይኮነ ጉጅለ ህወሓት ምኽኒያት ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቲ ወፍሪ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ኣብ መብርሂኦም ሓቢሮም።

መንግስቲ ስቪል ዜጋታት ንከይጉድኡ ልዑል ጥንቃቐ ከምዝገበረ ገሊፆም።

እቲ ወፍሪ ምዝዛሙ ስዒቡ መነግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝካየድ መሊስካ እግሪ ምትካል ስራሕቲ ፊንላንድን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክኾኑ እቶም ኣምባሳደር ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment