ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጣሊያን ደሚቱ ሀምቢሳ ምስ ፕሬዚደንት ኮሚቴ ድሕንነት ሪፐብሊክ ፓርላማ ጣሊያን አዶልፎ ኡርሶ ተዛቲየን።
እቲ ዘተ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት፣ ብዛዕባ ቀርኒ ኣፍሪካን ግድብ ህዳሰን ዘተኮረ ኢዩ ተባሂሉ።
እተን ኣምባሳደር፥ ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ንክኸውን ብወገን መንግስቲ ይፍፀሙ ብዛዕባ ዘለዉ ተግባራት፣ ሓገዝ ንከይበፅሕ ብጁንታ ህወሓት ብዛዕባ ዝግበሩ ዘለዉ መፍረስቲ ምንቅስቓሳት፣ ኣብ ልዕሊ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝበፅሕ ዘሎ ትንኮሳን ጉድኣትን፣ ህፃናት ንውትህድርና ምምልማልን ምውፋርን ተግባራት ጉጅለ ኣሸባሪ ህወሓትን ካልኦት ዛዕባታትን ብምርዳእ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ተግባራት ንከውግዝ ፃውዒት ኣቕሪበን።
እቶም ፕሬዚዳንት ብግደኦም፥ ኣብ ትግራይ ክልል ዘሎ ሓቂ ንክርድእዎ ብዛዕባ ዝተገበረ ገለፃ አመስጊኖም ዘድሊ ድጋፍ ከምዝገብሩ ገሊፆም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።