ኣምባሳደር ዮሃንስ ኣብርሃም ሓላፊ ጉጅለ ፕሬዚዳንታዊ ስግግር ካማላ ሃሪስ ብምዃን ተመሪፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓሌት ትውልዶም ካብ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣሜሪካዊ ኣምባሳደር ዮሃንስ ኣብርሃም ሓላፊ ጉጅለ ፕሬዚዳንታዊ ስግግር ካማላ ሃሪስ ብምዃን ከምዝተመረፁ ተሓቢሩ።

ኣብ ዝቕፅል ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ኣሜሪካ ንዴሞክራት ብምውካል ዝነሓነሓን ካማላ ሃሪስ ዕለታዊ ምንቅስቓሰን ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ዝተውሃቦም ኣምባሳደር ዮሃንስ÷ ጉጅለ ፕሬዚዳንታዊ ስግግር ኣብ ምምራሕ ልምዲ ዘለዎም ከምዝኾኑ እውን ተገሊፁ።

ትውልደ ኢትዮጵያዊ ዮሃንስ መቐመጢኡ ጃካርታ ዝገበረ ናይ ሃገራት ደቡብ ምብራቕ እስያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ብምዃን እናገልገሉ እንትኾኑ÷ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ስረሖም ብምዝዛም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኢዮም ተባሂሉ።

ምክትል ፕሬዚዳን ካማላ ሃሪስ ኣብዝግበር መረፃ ንተናሓናሒአን ዶናልድ ትራምፕ ብምስዓር እንተተዓዊተን÷ ኣምባሳደር ዮሃንስ ኣብ ምውዳብ ጉጅለ ስግግር እተን ሓዳሽ ፕሬዝዳንት ካብ ምስታፍ ብተወሳኺ ፖሊሲ ኣብ ምርቃቕ ግደ ከምዝህልዎም ተሓቢሩ፡፡

ኣምባሳደር ዮሃንስ ቅድም ክብል ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2020 ዋና ሓላፊ ጉጅለ ስግግር ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን ከምዝነበሩ ኤንቢሲ ኒውስ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment