ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን ፍሉይ መልእኽተኛን ፌዴሪኢ ይበልጣል ኣእምሮ፥ ኣብ ሱዳን ምስ መራሕቲ ኣወዳድባ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ እዋናዊ ኩነታትን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብሓይሊታት ፀረ ሰላም በዝተፈጠረ ፀገማት ፀፅታ ምኽኒያት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታት መሊስካ እግሪ ንምትካል ብወገን መነግስቲ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪን ኣብ ወፃኢ ዘርከቡ ኢትዮጵያውያን ክግበር ዝግበኦ ደገፍን በቶም ኣምባሳደር ኣብ ካርቱም መብርሂ ተዋሂቡ።
እቶም ኢትዮጵያውያን ብግደኦም፥ እዚ እዋን ብሓባር ደው እንብለሉ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ነቶም ዜጋታት ኣድላዪ ሓገዝ ንምእካብን ዓቕሞም ብዝፈቐዶ ደገፍ ንምግባርን ድሉዋት ከምዝኾኑ ምርግጋፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴራኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።