ኣምባሳደር ይበልጣል ኣእምሮ ምስ ኣምባሳደራት ፈረንሳይ፣ ህንዲን ጃፓንን ኣብ ሱዳን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵ ኣብ ሱዳን ይበልጣል ኣእምሮ ምስ ኣምባሳደራት ፈረንሳይ፣ ህንዲን ጃፓንን ኣብ ሱዳን ተዛቲዮም።

እቶም ኣምባሳደር፥ ምስ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ሱዳን ኢማኑኤሌ ብላትማን፣ ኣምባሳደር ህንዲ ራቪንድራ ፕራሳድን ኣምባሳደር ጃፓን ታካሺ ሃቶሪ ኢዮም ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ዞባዊ ጉዳያትን ኣድሂቦም ልዝብ ዘካየዱ፡፡

ኣምባሳደር ይበልጣል ኣብ ትግራይ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት፣ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ኣመልኪቱ እናተገበረ ብዛዕባ ዝርከብ ምድላው ዝምልከት ገለፃ ገይሮም።

ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰን ውጥጥ ዶብ ኢትዮ-ሱዳንን ቅዋም ኢትዮጵያ ዝምልከት መብህሪ ምሃቦም እውን ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment