ኣምባሳደር ይበልጣል ኣእምሮ ምስ ምክትል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሱዳን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዚያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ፍሉይ ልኡኽን በዓል ምሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን ይበልጣል ኣእምሮ ምስ ምክትል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሱዳን ሞሃመድ ሸሪፍ ዓብደላ ኣብ ክልተኣዊ ርክብ፣ ከይዲ ድርድር ግድብ ህዳሰን ጉዳይ ዶብን ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር ይበልጣል ኣብ ዘተኦም፥ ምስ ምድላው ካልኣይ ዙር ምልኢት ማይ ግድብ ተተሓሒዙ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ካብቲ ግድብ ዝስደድ ማይ ከምኡ እውን ኣብ ቀፃሊ ዝህሉ ልውውጥ ሓበሬታ ንምቅልጣፍ ብወገን ሱዳን ተፀዋዒ ንኽስየም ኢትዮጵያ ብደብዳበ ምፍላጣ ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ብምኽንያት ግድብ ህዳሰ ሓው ኣብ ልዕሊ ንዝኾነ ህዝቢ ሱዳን ጉድኣት ከይበፅሕ ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ጥንቃቐ እናገበረት ከምትቕፅል ብምሕባር፤ ብወገን ህዝቢን መንግስቲን ሱዳን ስግኣት ክህሉ ከምዘይግባእ ገሊፆም፡፡

ብኻሊእ መዳይ ጉዳይ ዶብ ብዝምልከት ብዘለዉ ስምምዓትን ብዝተጣየሹ ሓበራዊ ኮሚቴታትን ኣቢሉ መፍትሒ ክእለሸሉ እናተገበአ፤ ሱዳን ኣብቲ ጉዳይ ዘለዋ ድልዉነት ትሑት ብምዃ ኣብቲ ጉዳይ ዝተለወጠ ነገር ከምዘየለ ገሊፆም፡፡

እቶም ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሱዳን ብግደኦም፥ ምስ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ብወገን ኢትዮጵያ ሓበሬታ ምሃቡ ፀቡቕ ስጉምቲ ከምዝኾነ ብምግላፅ ኣብዚ ጉዳይ ኣገዳዲ ስምምዕነት ክህሉ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ኣብ ጉዳይ ዶብ እውን ተቐራሪብካ ምዝርራብን ላዕለዎት ኮሚቴ ፖለቲካ ክልቲአን ሃገራት ንኽራኸቡ ምትዕርራይ ከምዝግባእ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment