ኣምባሳደር ኣለምፀሃይ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ምስ ሚኒስትር ፀፅታ ኡጋንዳ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ታህሳስ፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኡጋንዳ ኣለምፀሃይ መሰረት ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ምስ ሚኒስትር ፀፅታ ኡጋንዳ ተዛቲየን።

እተን ኣምባሳዳር እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝተገበረ ምኽባር ሕጊን ዝግበር ዘሎ ምትካል እግሪን ንሚኒስትር ድሕንነት እታ ሃገር መብርሂ ሂበን።

እቲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ካብ መበገሲኡ በዝተቐመጠ ዕላማን ግዘን ብዓወት ከምዝተዛዘመ ተዛሪበን።

ኣብ እዋን እቲ ወፍሪ ጎረባብቲ ሃገራት እቲ ጉዳይ ናይ ውሽጢ ምዃኑ ብምርዳእ ጣልቃ ኣእታውነት ወፃኢ ንምክልኻል ዝገበርኡ ደገፍ ልዑል ከምዝነበረ ገሊፀን።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ተግራይ ዘሎ ጊዝያዊ ምምሕዳር ምስ መንገስቲ ፌዴራል ብምዃን እቲ ክልል ኣብ ሓፂር እዋን መሊስካ እግሪ ንምትካል ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብሪሀን።

ዝተበተኑ ገበነኛታት ብምሓዝ ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ስራሕ እውን ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተዛሪበን።

ሚኒስትር ፀፅታ ኡጋንዳ ብግደኦም፥ እቲ ጉዳይ ብቐረባ ይከታተልዎ ከምዘለዉ ኣብሪሆም።

መንግስቲ ሕጊ ንምኽባር ዝገብሮ ዘሎ ጥንቃቐ ዝተመልኦ ስጉምቲ ከምዝንእዱ እውን ሓቢሮም።

ኡጋንዳ ኣብ ከይዲ እቲ ምኽባር ሕጊ ከም መጠን መሓዛ ንምትሕብባር ድልውቲ ከምዝኾነት ገሊፆም ክብል ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment