ኣምባሳደር ኣለምፀሃይ ምስ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኡጋንዳ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍልይቲ ልእኽቲን በዓልቲ ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን ኢትዮጵያ ኣብ ኡጋንዳ ኣለምፀሃይ መሰረት ምስ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኡጋንዳ ኦሪየም ኦኬሎ ተዛቲየን።

ኣብ ዘተአን ድማ ብዛዕባ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ዝምልከት ልዝብ ኣካይደን፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ኣድላዪ ሰብኣዊ ሓገዝን ስራሕ መሊስካ ምጥያሽን እናተሳለጠ ምዃኑ ዝገለፃ ኣምባሳደር ኣለምፀሃይ፥ ምስ መረፃ ተተሓሒዙ እውን ክሳብ ሕዚ ካብ ዝተኻየዱ ሃገራዊ መረፃታት ዝሓሸን ተኣማኒን መረፃ ንምክያድ ኣድላዪ ቅድመ ምድላዋት እናተገበሩ ከምዝኾኑ ኣብሪሀን፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኡጋንዳ ኦሪየም ኦኬሎ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ኣብ በዓል ብዙሕ መድረኻት ዝነበራ ጥንኩር ተሳትፎ ብምዝኽኻር፤ ኣብ ከይዲ ብዝሃነፀቶም ትካላት ተሓጊዛ እዋናዊ ኩነታትን ዲፕሎማሲያዊ ፈተናታትን ብዓወት ከምትሳገር ዘለዎም እምነት ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment