ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኡጋንዳ ኣለምፀሃይ መሰረት ምስ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኡጋንዳ ኦርየም ኦከሎ ተዛቲየን።
ኣብ ዘተአን ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ እናካየዶ ዝርከብ ምንቅስቓስ መሊስካ ምጥያሽን ከይዲ ሰለስተኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ዝምልከት መብርሂ ሂበን።
ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኣካል እቲ ህንፀት ስለዝኾነ፥ ብመሰረት እቲ ትልሚ ከምዝቕፅል፣ ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙር ምልኢት ማይ ብዝምልከት ልውውጥ ሓበሬታ ንምግባር ንክልቲአን ታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ፃውዒት ምቕራባ ከምኡ እውን ብሕብረት ኣፍሪካ እናተኻየደ ድርድር መፍትሒ ከምፅእ ኢዩ ዝብል ፅኑዕ እምነት ከምዘለዋ ኣምባሳደር ኣለም ፀሃይ ገሊፀን።
እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ብግደአን፥ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣብ ሓፂር እዋን ምዝዛሙ ብፅቡቕ ጎኑ ከምዝረኣዩዎን ኣብቲ ክልል ምስ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ተተሓሒዞም ዝረኣዩ ፀገማት ትፅቢት ዝግበረሎም ከምዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡
መንግስቲ ንዝተፈጠረ ፀገም መፍትሒ ንመሃብ እናገበሮ ዝርከብ ፃዕሪ እውን ንኢዶም።
ምስ ከይዲ ድርድር ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ኣብ ዘሃቡዎ መብርሂ፥ ኡጋንዳ ኣብ ፍትሓዊን ምኽንያታዊን ኣጠቓቕማ ማይ ኣባይ ኣመልኪታ ሓፈሻዊ ማዕቐፍ ስምምዕነት ሩባ ኣባይ ብምፍራም ዘለዋ ቆራፅነት ከምዘርኣየት ገሊፆም።
ሕዚ እውን እንተኾነ ኣብ ፍትሓዊ ተረባሕነት ሩባ ኣባይ ፅኑዕ ቅዋም ከምዘለዋን ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተፈፀሙ ስምምዓት ተቐባልነት ከምዘይብሎም ኣብሪሆም፡፡
ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ብዕወዉት ኩነታት ከምዝዛዘም ዘለዎም እምነት ምግላፆም ክበ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!