ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሩሲያ ኣለማየሁ ተገኑ ሰብ ሃፍቲ ሩሲያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ተዋፊሮም መዋእለ ንዋዮም ኣብ ኢትዮጵያ ዘፍስሱሉ ኩነታት ኣመልኪቶም ተዛቲዮም።
እቲ ዘተ፥ ኣብ ሴንት ፒተርስበርግ ብምትሕብባር ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን እቲ ክልልን ማሕበራት ንግዲን “ሓደሽቲ ሕጊታት ምዕባለ” ብዝብል ርእሲ ኣብ ዝተዳለወ ዓለም ለኸ መድረኽ ዝተኻየደ ኢዩ፡፡
ካብ 30 ዝተፈላለያ ከተማታት ሩሲያ ዝተውፃእፅኡ ኣካላት ንግዲ ሓዊሱ መንግስታዊን ናይ ውልቀን ትካላት፣ ማግበረሰብ ዲፕሎማሲ ከምኡ እውን ኣቦታት ሃይማኖት ተሳቲፎም፡፡
እቶም ኣምባሳደር ኣብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ንምስታፍ ብዛዕባ ዘሎ ምዕሩይ ኩነታት፣ ብመንፅር ድሌት ኢንቨስትመንት ሩሲያ ኣብ ዘፈር መዓድን፣ ኢነርጂን ኮሙዩኒኬሽንን፣ ኣብ ስግግር መፍረይቲን ቴክኖሎጂን ከምኡ እውን ኣብ ልውውጥ ንግዲ ምስ ቡን፣ ጥራጥረን ቅብኣት ኣእኻልን ብተወሳኺ ፅሬትን ተደላይነትን ዕምበባ ብምሕባር ኣብ ዕዳጋ ሩሲያ ብሰፊሑ ከኣትዉሉ ኩነታት ከምዘሎ፤ ኣብ ዘፈር ቱሪዝም እውን ዓሚቕ ሃፍቲ ከምዘሎ ኣብሪሆም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ንዝገበሩ ኣባላት ጉጅለ ልኡኻት ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡
እቶም ኣምባሳደር ካብዚ ብተወሳኺ፥ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓታት እቲ ክልል፣ ተወከልቲ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያን ኣብ ሴንት ፒተርስበርግ ምስ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ከምዝተዛተዩ እውን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!