ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓለው ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ማይክ ሃመር ተዛቲዮም።
ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብድርቂን ጎንፂን ኣብ ፀገም ዝርከቡ ዜጋታት እናተገበረ ኣብ ዝርከብ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመልኪቶም ተነያይጦም፡፡
ኣምባሳደር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ውሽጢ ፀገም ንዝርከቡ ዜጋታት ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽበፅሕ ምስ ዝምልከቶም መሓዙት ኣካላት ብምውዳድ ምስርሑ ኣጠናኺ ከምዝቕፅል ኣብሪሆም፡፡
መንግስቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝተፈጠረ ጎንፂ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ ንዝካየድ ዘተ ሰላም ቆራጽ ቅዋም ከምዘለዎ እውን ኣብሪሆም፡፡
ማይክ ሃመር ብግደኦም÷ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቂ ሰላም ንምዕሳል ዝተጀመረ ዘተ ሰላም ዕዉት ንኅኸውን ኣድላዪ ሓገዝ ንምግባር ድልውቲ ከምዝኾት ምርግጋፆም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com