ኣምባሳደር ነቢል ማህዲ ምስ ኣማኻሪ ድሕንነት ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ቱት ጋትሉክ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ነቢል ማህዲ ምስ ኣማኻሪ ድሕንነት ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ቱት ጋትሉክ ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር ነቢት ኣብቲ እዋን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ነቶም ኣማኻሪ ገለፃ ገይሮምሎም፡፡

ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ንኹሉ ዘሳተፈ ሃገራዊ ልዝብ ንምግባር መንግስቲ ኢትዮጵያ ምድላው እናገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም።

መንግስቲ ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ፃዕሪ ይግበር እምበር ህወሓት ኣብ ጎረባብቲ ክልላት እናብፀሖ ዝርከብ ጥፍኣት ከምዝቐፀሎ እቶም ኣምባሳደር ኣብሪሆም።

ኣማካሪ ቱት ጋትሉክ ብግደኦም፥ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ኣብ ቀረባ እዋን ዝገበሩዎ ዑደት ብምዝኽኻር ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ስራሕቲ ፀፅታ ንኅጠናኸር ሓቲቶም።

ክልቲአን ሃገራት ታሪኻዊ ርክብ ከምዘለወን ዝገለፁ እቶም ኣማኻሪ፥ ሰላም ንምዕሳል ቀዳማይ ሚኒሰስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዘርአዩዎ ብሱል ኣመራርሓ ምንኣዶም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment