ኣምባሳደር ትዝታ ኣለሙ ንማሕበረሰብ ንግዲ ህንዲ ኣብ ኢትየጵያ ዘለዉኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ኣመልኪተን መብርሂ ሂበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ህንዲ ዶክተር ትዝታ ሙሉጌታ ኣምባሳደር ትዝታ ኣለሙ ንማሕበረሰብ ንግዲ ህንዲ ኣብ ኢትየጵያ ዘለዉ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ኣመልኪተን መብርሂ ሂበን።

ብትካል ኤክስፖርት ህንዲ ዝተዳለወን ድሕሪ ኮቪድ-19 ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ህንዲን ዘለዉ ኣማራፂታት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ብዝብል ርእሲ ፎረም መርበብ ሓበሬታ ተካይዱ።

ኣብቲ ፎሮም፥ ኣምባሳደር ትዝታ፣ ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ሮበርት ሼትኪንቶግ፣ ዋና ፀሓፊ ዘፈር ማሕበራትን ንግዲን ኢትዮጵያ የሱፍ ኣዴምኑርን ልዕሊ 120 ኣባልት ማሕበረሰብ ንግዲ ህንዲን ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ኣምባሳደር ትዝታ፥ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ህንዲን ብዛዕባ ዘሎ ጥንኩር ርክብ ንግዲ፤ ንነጋዶ ህንዲ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ምቹው ኣማራፂ ኢንቨስትመንት ዝምልከት ገለፃ ገይረን።

ህንዲ ኣብ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋያ ብምፍሳስ ኣብ መበል ሳልሳይ ደረጃ ከምትርከብ ብምግላፀ፤ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዘይተነኽአ ዓቕሚ ሰብ ሃፍቲ ህንዲ ሕዚ እውን ካልኦት ኣማራፂታት ክምልከቱ ከምዝግባእ ገሊፀን።

ካብ ኢትዮጵያ ናብ ህንዲ ዝተፈላለዩ ፍርያታት ኤክስፖርት ኣብ ምግባር ስራሕቲ ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚበን።

ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ሮበርት ሼትኪንቶንግ ብግደኦም፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብ ሃፍቲ ህንዲ ንምስሓብ ብልዑል ኩነታት እናተንቀሳቐሰ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ ሰብ ሃፍቲ ህንዲ ኣብ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ፣ ኣብ ምቅንባር ፍርያት ሕርሻ፣ ፍርያት መድሓኒት፣ ቴሌኮምን ካልኦት ዘፈራትን ክዋፈሩ ከምዝኽእሉ ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment