ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ ኣፍሪካ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ ኣፍሪካ ፓትሪክ የሱፍ ዘቲዮም።

ኣብቲ ዘተ፥ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ደገፍ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ምዝታዮም ኣብ ትዊተር ሒሳቦም ኣብ ዘስፈርዎ ፅሑፍ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ብተወሳኺ እቲ ማሕበር ኣብ ኢትዮጵያ በዝህቦም ኩለ መዳይ ኣገልግሎት ምዝታዮም ተሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ደገፍ ተበፃሒ ንምግባርን ኣብ ከይዲ ሰላም ዝርከቡ ለውጢታት ተሓሳቢ ዝገበሩ ኣገልግሎታት ምምሕያሽ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ብምትሕብባር ንምስራሕ ቁርፀኛ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment