ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ዋና ፀሓፊ ውሕመ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ዝተገበረ ኣብ ኒውዮርክ እናተኻየደ ምስ ዝርከብ መበል 79 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውሕመ ጎድና ጎድኒ ኢዩ፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ እዋናዊ ዞባዊ ጉዳያት ከምዝዘተዩ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ የመላኽት፡፡

ብመሰረት እዚ ኣብቲ ዞባ ውሪ ብምህዳእ ሰላምን ፀፅታን ንምርግጋፅ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣብቲ እዋን ዘተ ተላዒሉ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment