ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቱርኪዬ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቱርኪዬ ሃካን ፊዳን ዘቲዮም።

ኣምባሳደር ታዬን ሃካን ፊዳን፥ ኣብ ሶማሊያን ሱዳንን ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታትን ካልኦት ክልቲኣዊን ቀጣናዊን ጉዳያት ምልዛቦም ተገሊፁ።

ንሰላምን ምርግጋዕን ቀርኒ ኣፍረካ ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዘድሊ ምርግጋፆም ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment