ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ሓጋዚት ሚኒስትር ጉዳያት ኣፍሪካ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ሓጋዚት ሚኒስትር ጉዳያት ኣፍሪካ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሞሊ ፊን ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር ታዬ ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ገለፃ ዝገበሩ እንትኾኑ÷ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፈፃፅማ እቲ ስምምዕነት ዘለዎ ቆራፅነት ኣብሪሆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ምድላዋት ከይዲ ስግግር ፍትሒን ብሄራዊ ምኽክርን ዝርከቡሉ ብርኪ ዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ሓበራዊ ረብሓ ኣብ ዘለዎም ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ከምዝዘተዩ እውን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment