ኣምባሳደር ታዬ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቱኒዚያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቱኒዚያ ናቢል ኣሚር ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ጠሚቶም ተዛቲዮም።

እቶም ሚኒስትራት ጎድና ጎድኒ እናተኻየደ ዝርከብ መበል 44 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣፈፀምቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኢዮም ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ኩሎም መድረኻት ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዑ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ሓበራዊ ኣኼባ ሚኒስትራት ኢትዮ-ቱኒዚያ ብዝተኽኣለ ቅልጣፈ ንኽግበር ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ እውን ተሓቢሩ፡፡

ክልቲአን ሃገራት ኣብ መምርሒ ዝተመስረተ ዛዕባ ኣፍሪካ ብሓባር ንምስጓም ከምዝተዛተዩ እውን ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment