ኣምባሳደር ታዬ ምስ ሓጋዚት ሚኒስትር ጉዳያት ኣፍሪካ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ሓጋዚት ሚኒስትር ጉዳያት ኣፍሪካ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሞሊ ፊ ሓበራዊ ጉዳያት ኣብ ዝጠልቡ ዛዕባታት ጠሚቶም ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር ታዬ÷ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ጥንኩር ርክብ ከምዘሎ ብምግላፅ ኣብ ቀፃሊ ሓበራዊ ትኹረት ኣብ ዝጠልቡ ጉዳያት ቀፃሊ ዝኾነ ዘተ ከምዘድሊ ኣልዒሎም።

ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪካ ኣድሂቦም ኣብ ዝገበሩዎ ገለፃ÷ ብፍላይ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ንኸዓስል እናገበረቶ ትርከብ ፃዕሪ ትኹረት ብምግባር ኣብሪሆም።

ሶማሊያ ብዝምልከት እውን ኢትዮጵያ ራዕዳውያን ኣብ ምውጋእ ትገብሮ ዝተጠናኸረ ፃዕሪ ዝጠመተ ገለፃ ገይሮም።

ሞሊ ፊ ብግደአን፥ ኣሜሪካ ራዕዳውያን ኣብ ምውጋእን ብሓፈሻ ኣብ ሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ምርግጋፀን ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment