ኣምባሳደር ታየ ኣፅቀ ስላሴ ምስ ፕሬዚዳንት ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ታየ ኣፅቀ ስላሴ ምስ ፕሬዚዳንት ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ቮልካን ቦስኪር ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር ታየ፥ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣድሂቦም ነቶም ፕሬዚዳንት ገለፃ ገይሮምሎም፡፡

ኣብቲ ዝገበሩዎ ዘተ ብዛዕባ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት እውን ተመያይጦም፡፡

ሕብረት ኣፍሪካን ካልኦት ዞባዊ ትካላትን፥ ኣብ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት እናሰርሑዎም ዝርከቡ ስራሕቲ ዝምልከት መብርሂ ሂቦም፡፡

ክታበት ኮቪድ-19 ንሃገራት ኣፍሪካ ንምብፃሕ ዝተዋደደ ምትሕብባር ከምዘድሊ ድማ ነቶም ፕሬዚዳንት ኣብሪሆምሎም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment