ኣምባሳደር ተሾመ ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ብምዃን ተሾይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ተሾመ ካብ 28 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም ጀሚሮም ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ብምዃን ተሾይሞም።

ኣምባሳደር ተሾመ ቅድሚ ሕዚ በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ብምዃን ኣገልጊሎም፡፡

ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ÷ ኣብ ውሽጢ ዝተወደበ ሓይሊ ተዓጢቖም እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሓይሊታት ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ማሕበረሰብ ብዘላቕነት ዝፅምበሩሉን ሰላማዊ ናብራ ንኽመርሑን ተሓሲቡ ዝተጣየሸ ኢዩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ከይዲ ልምዓት፣ ሰላምን ህንፀት ዴሞክራሲን ንኽሳተፉ ንምግባር ኣድላይነት እቲ ኮሚሽን ተመልኪቱ፡፡

እቲ ኮሚሽን ንምጥያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ብቤት ምኽሪ ሚኒትራት 3 ሕዳር 2015 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ መበል 15 ስሩዕ ኣኼባ ብምፅዳቕን ካብ ዝፀደቐሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንኽውዕልን ከምዝተወሰነ ይዝከር፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment